ኣርእስቲ VI (ሽዱሽተ): ኣዋጅ ሲቪላዊ መሰላት
ከተማ ሲያትል፣ ን ኣርእስቲ VI (ሽዱሽተ) ኣዋጅ ሲቪላዊ መሰላት ተኽብር እያ። እዚ ሕጊ እዚ ኣብተን ብናይ ፌደራል ገንዘብ ዝምወላ ናይ ከተማ መደባት፣ ኣገልግሎታት፣ ወይ ንጥፈታት ብዓሌትካ፣ ሕብሪኻ፣ ወይ ሃገራዊ መበቆልካ፣ መሰረት ብምግባር ካብ ዝግበር ኣድልዎ ዝከላኸለልካ እዩ።
ቃል ኪዳንና
ኩሉ ሰብ ፍትሓውን ማዕረን ኣተሓሕዛ ክረክብ ንምግባር ውፉያት ኢና። ከተማ ሲያትል ኣብ ዝኾነ ናይ ከተማ መደብ፣ ኣገልግሎት፣ መሳለጥያታትን፣ ከምኡድማ ውዕላትን ኣብ ስንክልና፣ ጾታ፣ ዕድመ፣ ጾታዊ ዝንባለ፣ ጾታዊ መንነት፣ ኩነታት ኢሚግሬሽን፣ ሳዕቤናት ጥንሲ፣ ሃይማኖት ወይ እምነት፣ መበቆል፡ ዓሌት፡ ገዲም ተጋዳላይነት ወይ ወተሃደራዊ ኩነታት፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ጡብ ምጥባውን፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ናይ ኣገልግሎት እንስሳ ምጥቃምን መሰረት ዝግብር ኣድሎኣዊ ኣተሓሕዛ ሰባት ይኽልክል።
እንተደኣ ኣድሎኣዊ ኣተሓሕዛ ኣጋጢሙካ ኮይኑ
እንተደኣ ኣድሎኣዊ ኣተሓሕዛ ኣጋጢሙኒ እዩ ኢልካ ሓሲብካ፣ ኣባና ጥርዓን ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ክትገብር ከም ትኽእል እነሆ፡
- ኣብ መስመር ኢንተርኔት/ኦንላይን: ጥርዓንካ ኣታዊ ግበር
- ስልኪ: (206) 684-4500 ወይ TTY: 7-1-1
- ኢሜይል: discrimination@seattle.gov
ብዛዕባ ኣብ ስንክልና መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ጥርዓን ንምቕራብ፣ ወይ ብመምርሒ ስንክልና ዘለዎም ኣመሪካውያን (ADA) መሳለጥያታት ንምሕታት፣ ምስ ናይ ADA ኣተሓባባሪና ተራኸብ፡
- ኢሜይል: adacoordinator@seattle.gov
- ስልኪ: (206) 684-2489 ወይ TTY: 7-1-1
ኣብ'ዚ ክንሕግዘካ ኢና ተዳሊና ዘለና። ኣብ ናይ'ታ ከተማ ጸረ-አድልዎ ሕግታትን ኣከባባራ ሕጊ ኣርእስቲ VI ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ሴያትል ተራኸብ። ኣገልግሎታት ትርጉም ካብ ክፍሊት ናጻ ነቕርብ።
ናይ ኣርእስቲ VI ከይዲ ጥርዓን
እንተደኣ ከተማ ሲያትል ብሰንኪ ዓሌትካ፡ ሕብሪኻ፡ ሃገራዊ መበቆልካ፣ ኣብ ልዕሌኻ ኣድልዎ ዝገበረት ኮይና ተሰሚዑካ፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ስጉምትታት ብምኽታል ናብ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ሲያትል (SOCR) ጥርዓንካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ፡
ስጉምቲ 1፡ ምሳና ተራኸብ
ኣብ ኦንላይን ኣብ'ዚ ጥርዓንካ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ብ (206) 684-4500፣ TTY: 7-1-1 ተጠቒምካ ደውለልና። ዘክር፣ ጥርዓናት እቲ ኹነታት ካብ ዘጋጠመሉ ዕለት ኣትሒዝካ ኣብ ዘለዋ 180 መዓልቲታት ውሽጢ ክቐርብ ኣለዎ።
ስጉምቲ 2፡ ምሳና ተዘራረብ
ብዛዕባ ኹነታትካ ንምዝርራብን ናይ ኣርእስቲ VI (ሽዱሽተ) ጥርዓን ንምቕራብ ዘኽእል እኹል ሓበሬታ ምህላውን ንምርግጋጽ ግዜ ክንሰርዕ ኢና።
ስጉምቲ 3፡ ነቲ ጥርዓን ምቕራብ
እንተደኣ እኹል ሓበሬታ ዘሎ ኾይኑ፣ ስሩዕ ጥርዓን ክትጽሕፍ ክንሕግዘካን ንስኻ ድማ ክትፍርመሉን ኢኻ። ድሕሪ እዚ ነቲ ዝምልከቶ ክፍሊ ዕዮ ከተማ ሴያትል ብዛዕባ እቲ ጥርዓን ክነፍልጥ ኢና።
እንተደኣ እቲ ጉዳይ ን ስራሕቲ ህንጸት፣ ጽገና፣ ዕቃባ ኩነታት መንገዲታት፣ ናይ ኣጋር መንገዲታትን፣ ልዑል ፍሰት ትራፊክ ዘተኣናግዱ መንገዲታት/ሃይወያት፣ ወይ ድልድላትን ቦያታትን (tunnels) ዝምልከት ኮይኑ፣ እዚ ብ ፌደራል ምምሕዳር ሃይወይ (Federal Highway Administration) እዩ ክግምገም።
ስጉምቲ 4፡ ኣቐዲምካ ክፍታሕ ምግባር
ንስኻን እቲ ክፍሊ ዕዮ ከተማ ሴያትልን ነቲ ጥርዓን ብኣጋኡ ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእል መስርሕ ኣፈታትሓ ጸገም ክትሳተፉ ዕድል ከወሃበኩም እዩ። ኣቐዲምካ ዝግበር መስርሕ ኣፈታትሓ ጸገም ካብ ኩሎም ኣካላት ወለንታዊ ተሳትፎ ዝደሊ እዩ።
ስጉምቲ 5፡ ምርመራ
እንተደኣ እቲ ኣቐዲምካ ዝግበር መስርሕ ምፍታሕ ጸገም ዘይሰርሐ ኮይኑ፣ ሓደ መርማሪ ጉዳይ ሓበሬታ ክእክብ፣ ቃለ መሕተታት ከካይድን፣ ነቶም ዝቐረቡሉ ሓቅታት ናይ እቲ ጥርዓን ካብ ዝቐረበሉ ዕለት ኣትሒዘን ኣብ ዘለዋ 100 መዓልቲታት ክምርምርን እዩ።
ስጉምቲ 5፡ ውሳነ
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሲያትል (SOCR) ናይ ኣርእስቲ VI (ሽዲሽተ) ጥሕሰት ዘርኢ እኹል መረዳእታ ምህላውን ዘይምህላዉን ከረጋግጽ እዩ።
ንስራሕቲ ህንጸት፣ ጽገና፣ ዕቃበ መንገዲታት፣ ናይ ኣጋር መንገዲታትን፣ ልዑል ፍሰት ትራፊክ ዘተኣናግዱ መንገዲታት/ሃይወያት፣ ወይ ድልድላትን ገለርያታትን ዝምልከቱ ስራሕቲ መርመራታት ብ ፌደራል ምምሕዳር ሃይወይ (Federal Highway Administration) እዮም ክግምገሙ። ካብ'ዚ ብተወሳኺ ነቲ ናይ ኣርእስቲ VI (ሽዲሽተ) ዝምልከት ጥርዓንካ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ ዕዮ መጓዓዚያ ዩ ኤስ (U.S. Department of Transportation)፣ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ፌደራል ምምሕዳር ትራንዚት (Federal Transit Administration's Office for Civil Rights) ክተቕርብ ትኽእለሉ ኣማራጺ እውን ኣለካ እዩ።
- ኣብ ኦንላይን ኣብ highways.dot.gov/civil-rights/title-vi-complaint
- ብድምጺ: 1 (202) 366-0693" target="_blank" class="extLink" title="ናብ U.S. Department of Transportation Office for Civil Rights ደውል" rel="noopener">(202) 366-0693 ወይ 1 (888) 446-4511 " target="_blank" class="extLink" title="ናብ U.S. Department of Transportation ደውል" rel="noopener">1 (888) 446-4511
- ኢሜይል: FHWA.TitleVIcomplaints@dot.gov ግበር
- ፖስታ:
- Federal Highway Administration
US Department of Transportation
Office for Civil Rights
1200 New Jersey Avenue, SE
8th Floor E81-105
Washington, DC 20590
- Federal Highway Administration
እንታይ ኢና ንሰርሕ
ከተማ ሴያትል ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ተቕርብ፡
ማዕረ ተበጻሕነት። ኣብ ኩለን ፕሮግራማት፣ ኣገልግሎታትን፣ ውዑላትን ኣድልዎ ከይህሉ ምክልኻል።
- ኢሜይል: discrimination@seattle.gov
- ብድምጺ: (206) 684-4500, TTY: 7-1-1
ናይ ስንክልና ተበጻሕነት። እቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ፕሮግራማትና፣ ኣገልግሎታትና፣ ከምኡድማ ነካይዶም ንጥፈታትን ክሳተፉ ከምዝኽእልኩን ተጠቀምቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ምርግጋጽ።
- ኢሜይል: adacoordinator@seattle.gov
- ብድምጺ: (206) 684-2489, TTY: 7-1-1
ናይ ቋንቋ ተበጻሕነት። በቲ ዝመረጽካዮ ቋንቋ ሓበሬታን ኣገልግሎትን ክቐርበልካ ምግባር።
- ኢሜይል: IMR_LanguageAccess@seattle.gov
- ብድምጺ: (206) 727-8515፣ TTY: 7-1-1
ኣከባቢያዊ ፍትሒ። ነቶም ብአከባቢያዊ ኢፍትሓውነት ዝያዳ ዝተጸልዉ ማሕበረሰባት ጥዕናዊ፡ ከባብያዊ፡ ማሕበራውን፡ ቁጠባውን ውጽኢታቶም ከም ዝመሓዩሹ ምግባር።
- ኢሜይል: OSE@seattle.gov
- ብድምጺ: (206) 256-5158, TTY: 7-1-1
ማዕርነት ውዑላት ምስ'ተን ብደቂ ኣንስትዮን ብንኡሳን ሕብረተሰባትን ዝውነና ንግዳዊ ትካላት (women and minority-owned businesses (WMBE)) ዘሎ ስራሕቲን ውዕልን ዕድጊትን ክውስኽ ምግባር።
- ብድምጺ: (206) 514-1608፣ TTY: 7-1-1
ማዕርነት መጓዓዚያ። ብመንጽር ዓሌታዊ መበቆል ብማዕርነት ዝቐርብን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽን ናይ መጓዓዚያ ስርዓት ንምህናጽ ምስ ማሕበረሰባት ብሓባር ምስራሕ።
- ኢሜይል: DOT_TitleVI@seattle.gov
- ብድምጺ: (206) 640-3313, TTY: 7-1-1