ኣርእስቲ VI (ሽዱሽተ): ኣዋጅ ሲቪላዊ መሰላት

ከተማ ሲያትል፣ ን ኣርእስቲ VI (ሽዱሽተ) ኣዋጅ ሲቪላዊ መሰላት ተኽብር እያ። እዚ ሕጊ እዚ ኣብተን ብናይ ፌደራል ገንዘብ ዝምወላ ናይ ከተማ መደባት፣ ኣገልግሎታት፣ ወይ ንጥፈታት ብዓሌትካ፣ ሕብሪኻ፣ ወይ ሃገራዊ መበቆልካ፣ መሰረት ብምግባር ካብ ዝግበር ኣድልዎ ዝከላኸለልካ እዩ። 

ቃል ኪዳንና

ኩሉ ሰብ ፍትሓውን ማዕረን ኣተሓሕዛ ክረክብ ንምግባር ውፉያት ኢና። ከተማ ሲያትል ኣብ ዝኾነ ናይ ከተማ መደብ፣ ኣገልግሎት፣ መሳለጥያታትን፣ ከምኡድማ ውዕላትን ኣብ ስንክልና፣ ጾታ፣ ዕድመ፣ ጾታዊ ዝንባለ፣ ጾታዊ መንነት፣ ኩነታት ኢሚግሬሽን፣ ሳዕቤናት ጥንሲ፣ ሃይማኖት ወይ እምነት፣ መበቆል፡ ዓሌት፡ ገዲም ተጋዳላይነት ወይ ወተሃደራዊ ኩነታት፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ጡብ ምጥባውን፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ናይ ኣገልግሎት እንስሳ ምጥቃምን መሰረት ዝግብር ኣድሎኣዊ ኣተሓሕዛ ሰባት ይኽልክል። 

እንተደኣ ኣድሎኣዊ ኣተሓሕዛ ኣጋጢሙካ ኮይኑ

እንተደኣ ኣድሎኣዊ ኣተሓሕዛ ኣጋጢሙኒ እዩ ኢልካ ሓሲብካ፣ ኣባና ጥርዓን ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ክትገብር ከም ትኽእል እነሆ፡

ብዛዕባ ኣብ ስንክልና መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ጥርዓን ንምቕራብ፣ ወይ ብመምርሒ ስንክልና ዘለዎም ኣመሪካውያን (ADA) መሳለጥያታት ንምሕታት፣ ምስ ናይ ADA ኣተሓባባሪና ተራኸብ፡  

ኣብ'ዚ ክንሕግዘካ ኢና ተዳሊና ዘለና። ኣብ ናይ'ታ ከተማ ጸረ-አድልዎ ሕግታትን ኣከባባራ ሕጊ ኣርእስቲ VI ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ሴያትል ተራኸብ። ኣገልግሎታት ትርጉም ካብ ክፍሊት ናጻ ነቕርብ። 

ናይ ኣርእስቲ VI ከይዲ ጥርዓን

እንተደኣ ከተማ ሲያትል ብሰንኪ ዓሌትካ፡ ሕብሪኻ፡ ሃገራዊ መበቆልካ፣ ኣብ ልዕሌኻ ኣድልዎ ዝገበረት ኮይና ተሰሚዑካ፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ስጉምትታት ብምኽታል ናብ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ሲያትል (SOCR) ጥርዓንካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ፡  

ስጉምቲ 1፡ ምሳና ተራኸብ

ኣብ ኦንላይን ኣብ'ዚ ጥርዓንካ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ብ (206) 684-4500፣ TTY: 7-1-1 ተጠቒምካ ደውለልና። ዘክር፣ ጥርዓናት እቲ ኹነታት ካብ ዘጋጠመሉ ዕለት ኣትሒዝካ ኣብ ዘለዋ 180 መዓልቲታት ውሽጢ ክቐርብ ኣለዎ።

ስጉምቲ 2፡ ምሳና ተዘራረብ

ብዛዕባ ኹነታትካ ንምዝርራብን ናይ ኣርእስቲ VI (ሽዱሽተ) ጥርዓን ንምቕራብ ዘኽእል እኹል ሓበሬታ ምህላውን ንምርግጋጽ ግዜ ክንሰርዕ ኢና።  

ስጉምቲ 3፡ ነቲ ጥርዓን ምቕራብ

እንተደኣ እኹል ሓበሬታ ዘሎ ኾይኑ፣ ስሩዕ ጥርዓን ክትጽሕፍ ክንሕግዘካን ንስኻ ድማ ክትፍርመሉን ኢኻ። ድሕሪ እዚ ነቲ ዝምልከቶ ክፍሊ ዕዮ ከተማ ሴያትል ብዛዕባ እቲ ጥርዓን ክነፍልጥ ኢና።

እንተደኣ እቲ ጉዳይ ን ስራሕቲ ህንጸት፣ ጽገና፣ ዕቃባ ኩነታት መንገዲታት፣ ናይ ኣጋር መንገዲታትን፣ ልዑል ፍሰት ትራፊክ ዘተኣናግዱ መንገዲታት/ሃይወያት፣ ወይ ድልድላትን ቦያታትን (tunnels) ዝምልከት ኮይኑ፣ እዚ ብ ፌደራል ምምሕዳር ሃይወይ (Federal Highway Administration) እዩ ክግምገም።

ስጉምቲ 4፡ ኣቐዲምካ ክፍታሕ ምግባር

ንስኻን እቲ ክፍሊ ዕዮ ከተማ ሴያትልን ነቲ ጥርዓን ብኣጋኡ ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእል መስርሕ ኣፈታትሓ ጸገም ክትሳተፉ ዕድል ከወሃበኩም እዩ። ኣቐዲምካ ዝግበር መስርሕ ኣፈታትሓ ጸገም ካብ ኩሎም ኣካላት ወለንታዊ ተሳትፎ ዝደሊ እዩ።

ስጉምቲ 5፡ ምርመራ  

እንተደኣ እቲ ኣቐዲምካ ዝግበር መስርሕ ምፍታሕ ጸገም ዘይሰርሐ ኮይኑ፣ ሓደ መርማሪ ጉዳይ ሓበሬታ ክእክብ፣ ቃለ መሕተታት ከካይድን፣ ነቶም ዝቐረቡሉ ሓቅታት ናይ እቲ ጥርዓን ካብ ዝቐረበሉ ዕለት ኣትሒዘን ኣብ ዘለዋ 100 መዓልቲታት ክምርምርን እዩ።

ስጉምቲ 5፡ ውሳነ  

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሲያትል (SOCR) ናይ ኣርእስቲ VI (ሽዲሽተ) ጥሕሰት ዘርኢ እኹል መረዳእታ ምህላውን ዘይምህላዉን ከረጋግጽ እዩ።

ንስራሕቲ ህንጸት፣ ጽገና፣ ዕቃበ መንገዲታት፣ ናይ ኣጋር መንገዲታትን፣ ልዑል ፍሰት ትራፊክ ዘተኣናግዱ መንገዲታት/ሃይወያት፣ ወይ ድልድላትን ገለርያታትን ዝምልከቱ ስራሕቲ መርመራታት ብ ፌደራል ምምሕዳር ሃይወይ (Federal Highway Administration) እዮም ክግምገሙ። ካብ'ዚ ብተወሳኺ ነቲ ናይ ኣርእስቲ VI (ሽዲሽተ) ዝምልከት ጥርዓንካ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ ዕዮ መጓዓዚያ ዩ ኤስ (U.S. Department of Transportation)፣ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ፌደራል ምምሕዳር ትራንዚት (Federal Transit Administration's Office for Civil Rights) ክተቕርብ ትኽእለሉ ኣማራጺ እውን ኣለካ እዩ።

  • ኣብ ኦንላይን ኣብ highways.dot.gov/civil-rights/title-vi-complaint 
  • ብድምጺ: 1 (202) 366-0693" target="_blank" class="extLink" title="ናብ U.S. Department of Transportation Office for Civil Rights ደውል" rel="noopener">(202) 366-0693 ወይ 1 (888) 446-4511 " target="_blank" class="extLink" title="ናብ U.S. Department of Transportation ደውል" rel="noopener">1 (888) 446-4511
  • ኢሜይል: FHWA.TitleVIcomplaints@dot.gov ግበር
  • ፖስታ:
    • Federal Highway Administration
      US Department of Transportation
      Office for Civil Rights
      1200 New Jersey Avenue, SE
      8th Floor E81-105
      Washington, DC 20590

እንታይ ኢና ንሰርሕ 

ከተማ ሴያትል ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ተቕርብ፡ 

ማዕረ ተበጻሕነት ኣብ ኩለን ፕሮግራማት፣ ኣገልግሎታትን፣ ውዑላትን ኣድልዎ ከይህሉ ምክልኻል። 

ናይ ስንክልና ተበጻሕነት እቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ፕሮግራማትና፣ ኣገልግሎታትና፣ ከምኡድማ ነካይዶም ንጥፈታትን ክሳተፉ ከምዝኽእልኩን ተጠቀምቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ምርግጋጽ። 

ናይ ቋንቋ ተበጻሕነት በቲ ዝመረጽካዮ ቋንቋ ሓበሬታን ኣገልግሎትን ክቐርበልካ ምግባር። 

ኣከባቢያዊ ፍትሒ ነቶም ብአከባቢያዊ ኢፍትሓውነት ዝያዳ ዝተጸልዉ ማሕበረሰባት ጥዕናዊ፡ ከባብያዊ፡ ማሕበራውን፡ ቁጠባውን ውጽኢታቶም ከም ዝመሓዩሹ ምግባር።

ማዕርነት ውዑላት ምስ'ተን ብደቂ ኣንስትዮን ብንኡሳን ሕብረተሰባትን ዝውነና ንግዳዊ ትካላት (women and minority-owned businesses (WMBE)) ዘሎ ስራሕቲን ውዕልን ዕድጊትን ክውስኽ ምግባር። 

ማዕርነት መጓዓዚያ ብመንጽር ዓሌታዊ መበቆል ብማዕርነት ዝቐርብን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽን ናይ መጓዓዚያ ስርዓት ንምህናጽ ምስ ማሕበረሰባት ብሓባር ምስራሕ።

Civil Rights

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Civil Rights

The Seattle Office for Civil Rights (SOCR) works to advance civil rights and end barriers to equity. We enforce laws against illegal discrimination in employment, housing, public places, and contracting within Seattle.